Zimikhalka Irdey | ዝምክሃልካ ዕርደይ
Added by Admin
ዝምክሃልካ ዕርደይ ጽላለይ
ዘሳፍሓልካ ሜዳይ ጎልጎለይ
ዝድገፈካ ምርኩሰይ በትረይ
እምባይ ኢካ ኣምላከይ(2)
ኣይሂ ዘንቢ ክጽሂ ኣብ ነብሰይ
ሽግረይ መጽዩ ክወቅዓኒ ርእሰይ
ሰማይ ዓቅለይ ደቢኑ ክኖግድ ደበና
መርከበይ ከይዳ ክትቅጽል በይና መንገዳ
ኤቨን ኤዘር(2) ክሳብ ኣብዚ ረዲእካኒ (2)
ከመስግነካ’የ ጎይታይ ካልዕ እንታይ ኣሎኒ (2)
ሃልሃልታ ሓውን ክዘንብ ጓህርን
ረመጽ ኮይና ክትነድድ ክትተክኽ ምድሪ
ዕኑድ ኮይነ ደሪቐ በይነይ ኣብ ጎመራ
ዓጽመ ስጋይ ክጽሎ ሲኦል መከራ
………ኣዝ………
ኣብቲ ማእከል ኣብቲ መስገደል
ኣብ ቀራና ክልተ ሞት ነብሰይ ክትቅርቀር
ፍላጻታት ናይ ሞት ናባይ ክውርውሩ
ተገሪመ ሰብ ቆጺሩኒ ንዓይ ምምሓሩ
………..ኣዝ…………
መልኣክ ጽልመት መደንገጽ ገጹ
ቁሊሕ ኢሉኒ ናይ ሓጥያት ዓስበይ ክኣቱ
ንስኻ ግን ጎይታይ ንዕድለይ ቀዪርካዮ
ኩምራ ሓጻ’ውን ናይ ሓጢኣት በታቲካዮ
ጎይታ ምሕረት
ጎይታ ክብሪ
ጎይታ ሓጎስ
ጎይታ ፍቅሪ
ጨው ነስኒስካለይ ጉዕዞ ሕይወተይ ቀያሪ
በቂዐ ኣለኩ ከመስግን ሕይወተይ ከዕሪ
…………..ኣዝ……..
