መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Zhabkani Kibirkha | ዝሃብካኒ ክብርኻ

Added by Admin

ዝሃብካኒ ክብርኻ ዓዲልካ ጸጋኻ
ጸዊዕካን ጎይታ ከነመስግን ንዓካ
ክንዝምረልካ ኢና ተመስገን እናበልና ስለቲ ክብርኻ
ዘይተፈለካ ኣብ ሓጎስ ሓዘና
እግዚኣብሔር ተመስገን ዘድሓንካ ንዓና
ዋላ እንተበደልና ተሒዝና ንዓኻ
ሽምካ ንምውዳስ ኣብ ቅዓና ኢኻ
ኣዝ
ኣጽናዓና ጎይታ ሃበና ጸጋኻ
ፍቕርኻ ዘኪርና ክንግዛኣ ንዓኻ
ለዋህ ፈጣሪና ብዙሑ’ዩ ለውሃትካ
ንዘለኣለም ምስጋና ይብጽሕካ
ኣዝ
ነብስና ክትሕጎስ ከነመስግን ንዓካ
ሰለዘድሓንካና ኣምላክ ተሰቂልካ
ዕረፍቲ ክንረክብ ከምቶም መላእክቲ
ነመስግን ንሽምካ ለይቲ ምስ መዓልቲ
ኣዝ
ከነወድሰካ ቅዱስ እንዳበልና
ብሃይሊ መንፈስካ ንዓና ኣድህነና
ንሽምካ ቀዲስና ክንወርስ ክብርኻ
ተማህጸና ኢና ብድንግል ኣዴኻ
ኣዝ