መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Zfetweni Goytay | ዝፈትወኒ ጎይታይ

Added by Admin

ዝፈትወኒ ጎይታ እንታይ ጌረሉ’የ
ዝህቦ የብለይን ክዝምረሉ እየ
ካብ ውድቀት ድኻመይ ንዓይ ኣልዒልካኒ
ነቲ ሰባር ቢንቶ ኣልጊብካ ኣስጊርካኒ
ኣብ ኢያሪኮ መንገዲ ክልምን ኮፍ ኢለ
ንብርሃን ናፍቀ ካብ ሰብ ተፈልየ
ናይ ብርሃን ኣምላክ መጺኡ ናባይ
ብኢዱ ዳህሲሱ ዓይነይ ኣብርሃለይ (ኣዝ)
ንብዙሑ ዘመናት ኣብ ዓራት ደቂሰ
ሰባት ጸሊኦምኒ ረዳኢ ሲኢነ
ናተይ ጎይታ ኣምላክ መጺኡ ናባይ
ዓራትካ ተሰከም ንዓ ኪድ ኢሉኒ (ኣዝ)
ዓሰርተ ክልተ ዓመት ደም እምዳ ፈሰሰኒ
ንጥፍጣፍ ጡፍ ኢሎም እንተናዓቁኒ
ንናይ ጎይታ ክዳን ነቲ ጫፍ ዳህሲሰ
ሓይሊ’ውን ካብኡ መጸ ደመይ ጠጠው በለ
(ኣዝ)
ሰራቂ ዘማዊ ስኽራም ዝነበርኩ
መራሒ ዓመጽቲ ናይ ሰብ ደም ዘፍሰስኩ
ሎሚ ንሂወተይ ኣምላክ ቀይርዎ
ንሃያል እግዚኣብሔር ክብሪ ይግብኦ
(ኣዝ)