Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Zdekemet Nebsey | ዝደከመት ነብሰይ

Added by Admin

ዝደከመት ነብሰይ ዕረፍቲ ረኪባ
ብመድሃኒ ዓለም ሰላም ተመኢኣ
ብፍቃድ ናይ ኣምላኽ ሰላም ኽይኑ ቤተይ
ክርስቶስ መጺኡ ከድሕን ንሕይወተይ

ብልማድ ናይ ኣህዛብ ወዲ ተራ ኮይነ
የዒንቱ ዘይርአ ጣኦት ተሰኪመ
ወርሕን ንፋስን ከምልኮም ርኢካ
ጽሓይ ዝፈጠርካ ኣዛራሪብካኒ
……….ኣዝ……..
ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣምርካ ሰሚዐ
መልክዕካ ክርኢ ኣብ ሳግላ ደዪበ
ንውሽጠይ ትፈልጥ ስመይ ጸዊዕካኒ
ምድሓንካ ኮይኑለይ ሰላምካ ሂብካኒ
……..ኣዝ……..
ካብ ረስኒ ዝደሓንኪ ሓማት ጴጥሮስ
ሳባታ ተንስኢ ንኣምላክ ዘምሪ
ብምሕረትናይ ኣምላክ ኣብ ለምጺ ዝደሃንኩም
ኣብ ዘዘለኩሞ መስክሩ ንዓለም
……..ኣዝ……
ብስርቂ ብገበን ረሲሑ ሕይወተይ
ክስቀል ጌሩኒ ናይ ገዛእ ሓጢያተይ
ዘክረኒ ኢለዮ ጎይታ ዘኪሩኒ
ሎሚ ምሳይ ኢኪ ኣብ ገነት ኢሉኒ
………ኣዝ…….