Yom Fisha Kone | ዮም ፍስሃ ኮነ
Added by Admin
ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም
ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ - - - - - ፍስሐ ኮነ
ኣብ ሓጥኣት ከለና - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ብናይ ድንግል ምውላድ - - - - ፍስሐ ኮነ
በደልና ተሓደገልና - - - - - - -ፍስሐ ኮነ
እግዚኣብሄር ሓርዩኺ - - - - - -ፍስሐ ኮነ
ክትኮኒ ወላዲቱ - - - - - - - - -ፍስሐ ኮነ
ሕጂ ተፈጺሙ - - - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ናይ ዳዊት ትምኒቱ - - - - - - -ፍስሐ ኮነ
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ሄዋን ተስፋኣ - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ናይ ኣዳም ህይወት - - - - - ፍስሐ ኮነ
ናይ ኢያቄም ናይ ሃና - - - - ፍስሐ ኮነ
ፍረ በረኸት - - - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ምኽንያት ናይ ድሕነት - - - ፍስሐ ኮነ
ኪዳነ ምሕረት - - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ድንግል ተወሊዳ - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ናይ ኣምላኽ ወላዲት - - - - - ፍስሐ ኮነ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -
ብሄዋን ኣቢልና - - - - - - -ፍስሐ ኮነ
ዝሰኣንናዮ ሰላም - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ሎሚ ረኺብናዮ - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ብድንግል ማርያም - - - - -ፍስሐ ኮነ
ነቲ ብስራት ንንገር - - - - - ፍስሐ ኮነ
ሓዘንና ገዲፍና - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ተወሊዳ ኢያ’ሞ - - - - - - - ፍስሐ ኮነ
ተስፋ ናይ ዓለም - - - - - - ፍስሐ ኮነ
