Yizeza Neru | ይእዘዛ ኔሩ
Added by Admin
ይእዘዛ ነይሩ የገልግላ ነይሩ
ኢየሱስ ነዲኡ ሰይቲ ምስ መዓልቲ (2)
ብንፋስ ኣሲሩ ኣብ ደመና ጸይሩ
ይመጽእ ኣሎ ዕንጨይቲ ካብዱር ኣርዩ(2)
ንእሽቶ ብንእሽተይ ከምሰቡ ዓበየ
ንዝጠፍአት ነብሲ መጺኡ እናደለየ
ደው ዘይበለ የለን ብፍቕሩ ዘይተሰርሐ
ኣማኑኤል በሉ እግዚኣብሔር ምሳና ኮነ
…………ኣዝ………
ኣብ ጭራ ክከይድ መን ንዕኡ ይመስል
ብጭቃ ሰሪሑ የዕዋፍ የብርር
ዘገርም ህጻን ዘደንቅ’ዩ ጎይታ
ድንቂ መካር ሓያል ጓሳና ኢዩ ይመስገን ብእልልታ
………..ኣዝ…….
ስጋን ወሲዱ ኮይኑ ሰማያዊ
ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ቤተልሄማዊ
ወዲ እግዚኣብሔር ናይ ዮሴፍ ኣይኮነን
ክንምስክር ኢና ነዚ ሎሚ ንዘልዓለም
……….ኣዝ………
ኣብቲ ዓቢይ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ኣሎ
ጎይታ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት ኣሎ ጎይታ ዝገበሮ
ኣዝዩ ብዙሕ ጽቡቕ መወዳእታ ዘይብሉ
ኩሉ ዝፈጸመ ከም ጎይታና ከም ኢየሱስ መን ኣሎ
…………ኣዝ………..
