መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Yemane | የማነ

Added by Admin

የማነ (4) ብርሃን
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል
ተስፋ ኣዳም ኢኺ ናይ ኣቤል ለዋ.ሃቱ(2)
ሰኣሊተ ምሕረት ድንግል ወላዲቱ
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል
ኣዝ….
ናይ ኖህ መርከብ ኢኺ ናይ ሴም ምርቃቱ (2)
መኣዛ ዘይሳቕ ናይ ኣብራሃም ስደቱ
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል
ኣዝ….
ጽላት ሙሴ ኢኺ በትሪ ናይ ኣሮን (2)
ሓወልቲ ኢያሱ ጸምሪ ጌድዮን
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል
ኣዝ….
ናይ ዳዊት መሰንቆ ኣኽሊል ሰለሙን (2)
ናይ ኤልያስ መና ጸናጽል ኣሮን
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል
ኣዝ….
እህተ መላእክት ትንቢተ ነብያት
ኣክሊል ናይ ጻድቃን ኣደ ሰማእታት
ድንግል ንደቅኺ ለምኒ ምሕረት
ሓዲሩ (2) ኣብ ማርያም ድንግል