Yehabkum Yome | የሃብኩም ዮመ
Added by Admin
የሃብከ ዮመ የሃብከ መድሃኔ ኣለም /2/
እድሜ ማቱሳላ ወኣብርሃም /2/
ይሃብኩም ሎሚ ይሃብኩም መድሃኔ ኣለም /2/
ዕድመ ማቱሳላ ናይ ኣብርሃም /2/
ብቅዱስ መርዓ መርዑት ዝተወሰንኹም /2/
ኣምላኽ ተረኺቡ ኣብ ማእኸልኩም /2/
ነዘን ኣጋንእ ማይ ወይኒ /2/ ክምልኣሉ /2/
ምስ ድንግል ማርያም ሎሚ ተረኺቡ /2/
- - - - - - - ኣዝ- - - - - - -
ሓጎስኹም ሪኡ ኣምላኽ’ውን ፍጹም ተሓጉሱ /2/
ንኽብርኹም የእዳው ዘርጊሑ /2/
ኣብ ህይወትኹም ፍቕሪ መማቕርቲ ኾይኑ /2/
ትሕትና ይሃብኹም እግዚኣብሄር ባዕሉ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
መርዓኹም ክኸውን ፍቕሪ ሓጎስ /2/ ዝመልኣሉ /2/
ኣብ ውሽጢ ህይወትኹም ክርስቶስ ይሃሉ
እህ ኣብ ውሽጢ ህይወትኹም እግ/ሄር ይሃሉ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ናይ በረኸት ፍረ ብጸግኡ ንኽበዝሓልኹም /2/
ሎሚ ተሓጎሱ ንኣምላኹም ሒዝኹም /2/
ነብስኹም ንምግታእ ንፍልጠት ዝሃበኹም /2/
ንሰጋ ወደሙ እግዚኣብሄር ዝሓረየኹም /2/
ናይ መንፈስ ቅዱስ ውሉዳት ኢኹም /2/
- - - - - - ኣዝ -………………
