መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Yared Kahin | ያሬድ ካህን

Added by Admin

ያሬድ ክህን ዘመረ (2)
ዘመረ ያሬድ ዘመረ ንኣምላኽ ኣመስገነ (2)
ኣርያም ብማለት………… ያሬድ ዘመረ
ማህሌት ዸመረ … …… ያሬድ ዘመረ
ዜማ ምስ መለኸት እናተሓባበረ
ምስጋና ኣቅረበ …………ያሬድ ዘመረ
ብዜማ መሳርያ ……… ያሬድ ዘመረ
ጸናጽል ኣልዓለ ከበሮ መቖምያ
ኣዝ…….
ብግእዝ ብእዝል…………… ያሬድ ዘመረ
ብኣራራይ ዜማ…… …… ያሬድ ዘመረ
ካብ ብሉይ ካብ ሓዲስ ምስጢር እናሳነየ
ብዜማ ምልክት…………… ያሬድ ዘመረ
ናይ ኣምላክ መከራ… ….. ያሬድ ዘመረ
እቲ ናይ መስቀሉ ነገር ናይምድሓን ስራሕ
ኣዝ…….
ደሙ እናፍሰሰ…………… ያሬድ ዘመረ
ብኩናት ተወጊኡ………… ያሬድ ዘመረ
ሊቀ ማህሌታይ ብመንፈስ ተቃንዩ
ብጥዑም ልሳኑ…………… ያሬድ ዘመረ
ብዝተዋህቦ ጸጋ…… …… ያሬድ ዘመረ
ንንጉስ ክርስቶስ ናልፋ ኦሜጋ
ኣዝ…….
ድጋ ጸመ ዱጋ…………… ያሬድ ዘመረ
ምዕራፈ መዋስእት………… ያሬድ ዘመረ
ምስጢር ተገሊጹ ካብ ሰማይ መለከት
ናይ ዜማ መሰረት………… ያሬድ ዘመረ
ዓይኒ ማይ ዝማሬ………… ያሬድ ዘመረ
ወዲ ተዋህዶ ናይ ሃማኖት ፍረ
ኣዝ…….