Wo Amlakey Tsruy Lbi | ዎ ኣምላከይ ጽሩይ ልቢ
Added by Admin
ዎ ኣምላከይ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ
ጽኑዕ መንፈስ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ
መታን ክጸሪ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ
ኮይነ ክነብር ከምቲ ትደልየኒ(2)
ንቅዱስ መንፈስካ ጎይታ ልኣከለይ
ልበይ ከርሕወልካ ክትነብር ኣብ ውሽጠይ
ሰላመይ ክመልእ ክዓርፍ ሕይወተይ
ተስፋ ክገብር ኣብ ምሉእ ዘመነይ
………..ኣዝ………
ሓደራ ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ
ንቅዱስ መንፈስካ ኣይትግደፈኒ
ሓጎስ ምድሓንካ ጎይታይ ምለሰለይ
ንሕዙን ልበይ ኣጸናንዓለይ
……….ኣዝ……
ብመዓልቲ ጸበባይ
ንድምጺ ምህለላይ ኣስተባህልሉ
ናበይ’ሞ ግልጽ በል ጎይታ መሓረኒ
በታ ዘእውየላ ቀልጢፍካ ርድኣኒ
…….ኣዝ……..
ኩሉ ኣብ ኢድካ ኢዩ የለን ዝሰኣነካ
ገባርን ሓዳግን የለን ብዘይካካ
ካብ ጥፍኣት ዛ ዓለም ጎይታ መሓረኒ
ተስፋ ክገብር ውሉደይ በለኒ
