Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Wetru Aliki Ab Lbey | ወትሩ ኣሊኪ ኣብ ልበይ

Added by Admin

ወትሩ ኣለኪ ኣብ ልበይ (3)
ድንግለይ ውዕለትኪ ኣሎ ኣብ ሓሳበይ

ከም ሓጥያተይ ብዝሒ ከምቲ በደለይ
ናይ ሓዊ ሰንሰለት ሲኦል ኢዩ ፍርደይ
ብኣኪ ግን ድንግል ካብ ሞተይ ኣምለጥኩ
ብናይ ሓዊ ባሕሪ ብኣኪ ጀለብኩ
…………ኣዝ………
ልበይ ተደሲቱ ብፍቅሪኺ ማርያም
ውሽጠይ የውሕዝ ኣሎ ናይ ፍቅሪ ናይ ሰላም
ጭንቀተይ ኣጥፊኡ ውዳሴኺ ቃና
ሰማየይ እንዲኺ ዘዝነብክለይ ማና
…………..ኣዝ…………..
ኦ ጽዮን ኣዴና ኩሉ ሰብ ይብለኪ
ዳዊት ብበገና ዘሚሩ ንዓኪ
ነገስታት ሓሴቦን ክብርኺ ዘመሩ
ዘይትፈርስ መቅደስ ንእግዚኣብሔር ሃገሩ
…………...ኣዝ……………..
ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ካባኺ ረኺበ
ምሕረት ካብ ወድኪ ድሕነት ተመጊበ
ሕጂ’ውን ኣለኪ በቲ ናትኪ ብርሃን
ጸላኢ ኣይፈርሕን ንተንኾል ናይ ሰይጣን
……………ኣዝ…………….