Weladite Amlakh | ወላዲተ ኣምላኽ
Added by Admin
ወላዲተ ኣምላኽ ማርያም ድንግል (2)
ፍሉይ ክብርኺ (2) ካብ ኩሉ ፍጥረታት
ብቃሉ ዓለማት ከይፈጠረ ገና
ህልውቲ ዝነበርኪ ብእግዚኣብሔር ሕልና
ካብ ሃና ማህጸን ካብ እያቄም ኣብራኽ
ኣዲኡ ክትኮኒ መሪጹኪ ኣምላኽ
ኣዝ…..
ካብ መላእክት ኩሎም ትበልጺ ንስኺ
ካብ ደቂ ሰባት ‘ውን የለን ዝመስለኪ
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሽምኪ ዝገነነ
ኣይተረኽበን ድንግል ከማኺ ዝበለ
ኣዝ…..
ነውሪ ዘይብልኪ ንጽህቲ መርዓት
መመኪሒት ናትና ቅድስት ንጽህት
ኣደንን ድንግልን ወላዲተ ቃልን
ዘይትልወጢ ኢኺ ዘልኣለም ድንግል
ኣዝ…..
