Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Tsegay Iki | ጸግዐይ ኢኪ

Added by Admin

ጸግዐይ ኢኪ ክብረይ ትምክሕተይ
መዕረፊተይ ናይ ዘልዓለም ርስተይ
ኣደይ ኢኪ ዋሕስ ናይ ሕይወተይ

ብናይ ዓለም ፍቕሪ ተማሪከ
ብከንቱ ክጉዓዝ ጽድቂ ተፈልየ
ደኪመ’የ ኣነስ ብሂወተይ
ይፈርህ ኣለኩ ስለ መወዳእታይ(2)
………….ኣዝ……….
ናይ ልበይ ትፈልጢ’ቲ ዝደልዮ
ናይ ነብሲ ትምኒተይ ውሽጠይ ዝሓስቦ
ይሰርጽ ኣብ ልበይ በረኸትኪ
ብኣኻ ክንድሕን ከይጠፍእ ወድኺ
ብብርሃን መስቀል ክባረክ ብሽምኪ
……….ኣዝ……….
ናብ ኣምላኸይ ምቅራብ ከቢዱኒ
ሓጥያተይ በዚሑ ዘውትር የውድቀኒ
ክሳብ መኣስ ኢየ ከምዚ ኢለ
ተፈልየ ክነብር ካብቲ ለዋህ ኣቦይ (2)
………ኣዝ……
ንኩሉ ተሓስቢ ርህርህቲ’ኪ
ብኣማላድነትኪ ክድሕን ብኣኺ
ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ፈጣሪየይ
ካባይ ርሓቅለይ ከይብለኒ ጎይታ
ዋሕሰይ ኩንኒ ድንግል ረዳኢተይ
……….ኣዝ……..