Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Tsadkan Btselotom | ጻድቃን ብጸሎቶም

Added by Admin

ጻድቃን ብጾሎቶም ዝተጋደሉልኪ
ቁዱሳን ሰማእታት ደሞም ዘፍሰሱልኪ
ናይ ግዮርጊስ ሃይማኖት ናይ እስቲፋኖስ
ናይ ቅዱስ ፊሊስ ናይ ሞርቆርዮስ (2)
ከም ኣናንያ ከም ኣዛርያ ከም ሚሳኤል’ውን (2)
ኣጽንዕ ንዓና (3) ብሃይማኖትና
ኣዝ………
ናይ ተኽለሃይማኖት ፍረ ደሞም
ናይ ኤዎስጣዎስ ውህብቶ ዓስቦም
በኣባ ፊሊፖስ ገድሊ ዝጸናዕኺ
ናይ ዮሃኒ እምነት መሰቒ ንስኺ ኢኺ (2)
ኣዝ………
መርዓት ናይ ክርስቶስ ኣርሴማ ቅድስት
ናይ ክርስቶስ ሰምራ ቅንዕቲ ሃይማኖት
ቂርቆስ እዮሉጣ ዝተሰውዑልኪ
ተስዓቱ ቅዱሳን ዝተጋደሉልኪ (2)
ኣዝ………
ኣምላኽ ብደሙ ዝተበዘወልኪ
ኣብ መስቀል ድሕነት ዝተኣወዽልኪ
ናይ ሓደራ ኣደ ዝተቐበልናልኪ
ናይ ዮሃንስ ስብከት ተዋህዶ ንስኺ (2)
ኣዝ………