Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Tsadik Inkelo | ጻድቅ እንከሎ

Added by Admin

ጻድቅ እንከሎ ሓጥእ ዘይንዕቅ
ሃይል እንከሎ ድኩም ዘይንዕቅ
ኣቤት እግዚኣብሄር ምህረቱ ዘደንቅ(2)

ከምዝዋውእ ከሎ ሓጢኣተይ ምቅይሁ
ከም ናይ ሑጻ ባህሪ በደለይ ምብዝሑ
ደኒኑ ዝነብር ምግዱር ሓጢኣተኛ
ንይ ደም ሰብ ክንሰይ በደለኛ
ብምህረት የዒንቱ ናባይ ዝረኣየ
እፍልጣ እንዲየ ነብሰይ ኣነ መን ኢየ
ካብ ዝወደቅክዎ ዘለኣዕለኒ
ምህረቱ ዝበዝሐ ኣቦ ኣለኒ
………ኣ.ዝ……..
የፍቅሮ እንዳበልኩ ኣብ ፍቅሩ ዘይነብር
ምስቶም ዘይእዘዙ ኣብ ሰልፎም ዝሓብር
ከምቲ ዝሓልየለይ ክንዲ ዘመስግኖ
እንዳ ፈለጠኒ ጸላኢ ከም ዝኮኖ
እንከይረብረበ ስመይ ዝጽውዖ
ወትሩ ጽብጽባሕ ፍቅረይ ዝብርትዖ
ኣብ ሓጥእ ባርይኡ ከም ብዝሒ ምሕረቱ
ነፍሰይ ምስጋና’ዩ ንክብሪ ዕቤቱ
………..ኣዝ………
እንካቤት ኣቦይ እቲ ዝነኣስኩ
ካብ ነገደይ ድማ እቲ ዝደከምኩ
እንታይ ሪኡለይ ኢዩ በርትዕ ዝበለኒ
ናይ ኣምላከይ ምሕርቱ ገሪሙኒ
ንብዓት ራሄል ይኩን ዝነጽጎ ንብዓተይ
ኣብ ራማ ይሰማዕ ምህለላይ
ነቲ ኩሉ ግዜ ወትሩ ዝልምኖ
ውዳሴ መዝሙር ንዕዑ ይኩኖ
……….ኣዝ…………..
ዕለት ዕለት ወትሩ ስሙ ዝጽውዖ
ልዕሊ ገዚፍ እምባ ጌረ ዝጽግኦ
እንካብ ኩሉ ነገር ኣዝየ ዝእመኖ
ጎይታ ክኮነኒ ባሪኡ ዝኮኖ
ነገር ኣለኒ ምስኡ ዓለም ዘይትፈልጦ
ምምላስ ኣብዩኒ ንልበይ ዘሕበጦ
ኣብ ቅድሚ ኣምላከይ ሎሚ ኢየ ከቢረ
ይፈልጣ እንዲየ ነብሰይ ትማሊ መን ነይረ
………..ኣ.ዝ………….