Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Tim Ayitbelu Nigziabher Amesignu | ትም ኣይትበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ

Added by Admin

ትም ኣይትበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ
ቅዱስ(5) በሉ መላእክቲ ኩላትኩም ምስጋና ኣቅርቡ
ቅዱስ(2) በሉ
ሓፍቲ ሙሴ ማርያም ከበሮ ኣልዕሊ
ብምስጋና መዝሙር እልል(2) በሊ
ንኣምላኽ ንዘምር ኩላትና ብዕልልታ
ምሳና እዮም ናይ ሰራዊት ጎይታ(2)
(ኣዝ)
ኩላትኩም ፍጥረታት ሰማያት ዘሙሩ
ንቅዱስ እግዚኣብሔር ብኣውታ ዓልሉ
ዳዊት’ውን ተለዓል ንኣምላኽ ዘምር
ከበሮካ ኣልዕል በገናካ ደርድር(2)
(ኣዝ)
ኩላትና ንዘምር ንክብሪ እግዚኣብሔር
ውዕለቱ ብዙሑዩ ናይ መስቀሉ ነገር
ካህናት ዘሙሩ ኩላትኩም ብእልልታ
ንጎይታ እግዚኣብሔር ንስራዊት ጎይታ
(ኣዝ)
ንባሕሪ ከፊሉ ንዘሳገረኩም
ንከውሒ ሰንጢቁ ማይ’ውን ንዘስተየኩም
ምእመናን ዘምሩ ኩላትኩም ብዓውታ
ንንጉስ ክርስቶስ ንዘምር ብእልልታ
(ኣዝ)