Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Tezkewin Kem Aba Hiryakos | ተዝከውን ከም ኣባ ህርያቆስ

Added by Admin

ተዝከውን ከም ኣባ ህርያቆስ
ከመስግነኪ ብክርስቶስ
ጓሳዕ ልብየ እናበልኩ
ክውድሰኪ ምሓደርኩ

ከም ኣቦታተይ ዓድልኒ
ምስ ደቂ ቤትኪ ቁጸርኒ
ስምኪ ኣስንቅያ ነዛ ነብሰይ
ባርያኪ ክከውን ንግስተይ

ማርያም ክብለኪ ኣንቃዕሪረ
ቅዱስ ቃል ኪዳንኪ ዘኪረ
ናይ ልቢ ልመናይ ስምዕኒ
ወደይ (3) በልኒ