Tewahdo Nitsihti | ተዋህዶ ንጽህቲ
Added by Admin
ተዋህዶ ንጽህቲ እምነት
ጎይታ ዝመሰረታ ንዓና ድሕነት
ኩልና ኣብኣ ዘለና ደስ ይበለና
ናይ ጎይታ ሕድሪ ንኽፍጽሙ
ቅዱሳን ኣቦታት ከይጠፍእ ደሙ
መሰዋእቲ ኮይኖም ኣጽኒሖምልና
ሕድሪ ኣለና ንኹልና
ንከባኽባ ቅድስቲ እምነትና
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማእት
ካብቶም ቅዱሳን ኣቦታት
ንተዋህዶ ክእክብ ሪኦም
ንኸይትሰፍሕ ከልኪሎም
ካብ ከተማ ኣውጺኦም ቀቲሎም
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ድሕነት ለሚኑ ንዝቐትልዎ
ኣይፈልጡን ኢዮም ኢሉ ዝገብርዎ
ብሰማእትነት ኣሕሊፍዎ
ናይ ጎይታ ትእዛዝ ፈጺምዎ
ናይ ኣይሁድ ሓሳብ በቲንዎ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማእት
ዓለም መኒኑ ብእምነት
ዙፋን ኣቡኡ ክህብዎ
ናይ ዓለም ስልጣን ንዒቕዎ
ንንጉስ ዲዲያኖስ ኣሕፊርዎ
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ሸውዓተ ግዜ ቀቲሎሞ
ከም ሓመድ ስግኡ ኣዝሪዎሞ
ንተዋህዶ ክዕዩ ደሙ
ሸውዓተ ኣኽሊል ተሸሊሙ
ንነገስታት ዓለም ኣገሪሙ
- - - - ኣዝ - - - - - -
