Tewahdo Nigziabher Amesigni | ተዋህዶ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኒ
Added by Admin
ተዋህዶ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኒ (2)
ምስ ህዝብኺ ዕልል በሊ (2)
ብሽብሸባ ዕልል በሊ (2)
ስለ ዝመልኣ በረኸት ኣእዳውኪ
ካብ ጽላል ሞት ካብ መከራ ዘድሓነኪ (2)
እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ብርሃንኪ (2)
ካብ ድያብሎስ ዘድሓነኪዮም ንደቅኺ (2)
ኣዝ………
ብሽብሸባ ዘምርሉ ንኣምላኪ (2)
ካብ መከራ ብምሕረት ዘድሓነኪ (2)
እግዚኣብሄር ሓይሎም እዩ ንህዝብኺ (2)
ካብ ሲኦል ካብ ስቓይ ዘውጽኣኪ (2)
ኣዝ………
ንዘልኣለም በርኮም ንህዝብካ (2)
ልዕል ኣብሎም ኣብ ፍርድኻ (2)
ብምስጋና ዘምርሉ ንኣምላኪ (2
ተዋህዶ እግዚኣብሄር’ዩ ረዳኢኺ (2)
ኣዝ………
እግዚኣብሄር ሓይሎም እዩ ንህዝብኺ (2)
ካብ ሲኦል ካብ ስቓይ ዘውጽኣኪ (2)
ኣዝ………
ንዘልኣለም በርኮም ንህዝብካ (2)
ልዕል ኣብሎም ኣብ ፍርድኻ (2)
ብምስጋና ዘምርሉ ንኣምላኪ (2)
ተዋህዶ እግዚኣብሄር’ዩ ረዳኢኺ (2)
ኣዝ……
