Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Temsal Genet Iki | ተምሳል ገነት ኢኪ

Added by Admin

ተምሳል ገነት ኢኺ ገዳም ደብረ ሲና
ናይ ሃይማኖት ደብሪ ቦታ ቅድስና
ኣርያማዊት ኢኺ ዝዘንበኺ መና
ደብረ ስብሃት ምንጪ ክርስትና
ደው ዝበለ - - - - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ኣብ ህዋ መቕደሳ - - - - - - ገዳም ደብረሲና
ኣምላኽ ዝሃነጾ - - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ማዕጾኣ መስኾታ - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ኣብ ግዜ ስደቶም ድንግል ምስ ወዳ
መጺኩም ረኣዩ ዘጽለሉልላ ስፍራ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብድሕርኡ’ውን - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ዘይተፈልያ ጸጋ - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ምስ ቅዱሳኑ - - - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ዝተገልጻ ጎይታ - - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ሰማእት እስጢፋኖስ ዝቐደሰላ
ተስኣቱ ቅዱሳን ድንግል ዝረኽቡላ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ኣብርሃ ወኣጽብሃ - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ዝተጠመቁላ - - - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ብሚስጥር ካብ ኣምላኽ - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ዝተወለድናላ - - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ኹለን ከባቢና ዝምኽሓላ
ደብረ ሲና’ያ ናይ ኣምልኾ ስፍራ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ብቃል ኣይንገርን - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
‘ቲ ኩሉ ሚስጥራ - - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ኣይውዳእን’ዩ - - - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ዘርዚርካ ታሪኻ - - - - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ርኢኹም እመኑ ደይቡ ደብረ ሲና
በረኸት ኽትረኽቡ ሰሚዕኹም ዜነኣ
ኣነስ ክኸይድ’የ - - - - - - ተምሳል ገንት ኢኺ
ናብ’ዛ ቅድስት እምበ - - - - - ገዳም ደብረ ሲና
ክዝምር ንድንግል - - - - - - ተምሳል ገነት ኢኺ
ክረኽብ በረኸታ - - - - - - - ገዳም ደበረ ሲና
በዓልቲ ወለንሳ ሓዳጊት ኣበሳ
ድንግል ማርያም ኢያ ናይ ኹልና ተስፉ
- - - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - - -