Temesgen Goytayey | ተመስገን ጎይታየይ
Added by Admin
ተመስገን/3/ ጎይታየይ
ተመስገን ጎይታየይ
ምሕባእ ስኢነ በዚሑ ሓጥያተይ
ብኣካ ኣምላከይ ተሸፊኑ ጉደይ
ናብራ መሪሩኒ ፈተና እንተኮነ
ሂወት ከቢዱኒ ምክኣሉ ሲኢነ
ኩሉ ግን ጎይታየይ ንጽብቅ ጌርካዮ
ኣምላክ ንውዕለትካ እንታይ’ለ ከውርዮ
ኣዝ
ከምቲ ናተይ ሓሳብ እንተዘይሰለጠ
ተመስገን’የ ዝብል ውህበትካ ፈሊጠ
ጸውኤ ኣይሓፍርን ይኣምን’የ ጎይታይ
ኩሉ በኣካ’ዩ ተቀበል ምስጋናይ
ኣዝ
ኣብ ሓዘን ኣብ ራህዋ ኣብ ሽግር ኣብ ሓጎስ
ኤልሻዳይ እግዚኣብሔር ዘላኣለም ዝውደስ
ሚስጢር ውሽጢ ቤተይ ንሱ’ዩ ዝፈልጦ
ሓጥያተይ ሽፊኑ ሂወተይ ዝለወጠ
ኣዝ
