Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Telemen | ተለመን

Added by Admin

ተለመን ጎይታ ተለመን(2)
ተለመን ኣምላኽ ተለመን
ፍቕሪ ሓድነት ሰላም ሃበና (2)
ተለመን ንናይ ሓዊ ባህሪ
.>> ክፈሎ ብጸጋ
.>> ከም ናይ ሙሴ ኣቦና
.>> ዘርግህ ኣእዳውካ
.>> ንከይንለዋወጥ
.>> ጸላኢ ፈሪሕና
ንብዓትና ኣንቀጾ ንስኻ ኣጽንዓን
ንክንዕወት’ውን ሃይሊ ኣልብሰና
…………ኣዝ………
ተለመን ጸላእትና ይድከሙ
.>> ውዲቶም’ውን ይፍሸል
.>> ኣብ ልዕሊ ህዝብካ
.>> ዝኣልምዎ ተንኮል
.>> መአንቀፊ እምኒ
.>> ከይከውን መሀንኮል
ንጸላዕትና ተዋግኣልና
ቅድሜና ሕለፍ ምሳኻ ኣለና
……….ኣዝ………
ተለመን ከም ህዝቢ ሰናኦር
.>> ቋንቋን ፋህ ከይብል
.>> ባእስን እግርግርን
.>> መታን ከይዕብልል
.>> ንከይንበታተን
.>> ሰላም ከይንስእን
ሓያል ኣምላክና ምህረት ሃበና
ፍቅሪ ሓድነት ሰላም ሃበና
…….ኣዝ……….