Teklehaymanot Tekleab | ተክለሃይማኖት ተክለኣብ
Added by Admin
ተኽለሃይማኖት ተኽለኣብ ተኽለወልድ ተኽለ መንፈስ ቅዱስ
ቅዱስ ኣቦና ኣማልደና ዕረቐና ምስፈጣርና ምስ እግ/ሄር /2/
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ንስላሴ ዘመስገንካ ካብ ጭንጫ እምኒ ንማይ ዘውጻእኻ
እቦና ተኽለሃይማኖት ኣማልደና ብሓጢያት ኸይንመውት
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ከም መላእኽቲ ክንፍ ዝተወሃበኻ ሰማእት ነብይ ኻህን’ውን ኢኻ
መምህርና ሓድሽ ሃዋርያ መሃረና ናይ ፍቕሪ በዓል ሞያ /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ከም ሱራፌል ኣብ ሰማይ ክዓጥን ኣብ ምድር
ረድእ ኾይኑ ምግልጋሉ
ብዝተዋህቦ ጸጋ ሙታን ኸተንስእ
ድሕነቱ ኣባኻ ኢያ ኣቦና ኻብ ሓጢያት ፍትሓና /2/
