Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Teklehaymanot Abune | ተክለሃይማኖት ኣቡነ

Added by Admin

ተክለ ሃይማኖት ኣቡነ ብጹእ ሃዋርያ
ተክለ ሃይማኖት ኣቡነ ሓድሽ ሃዋርያ
ኣሚና ኣሎና ብህያብ ኣምላክ ቃል ኪዳን (2)
ተክለ ሃይማኖት ኣቡነ
መሰረት ኮይኑና ርኢና ጽንዓትካ
ባርያ እግዚኣብሔር ዓለም ዘይፈተካ
ዝክርካ ዘኪርና ስምካ ውን ጸዊዕና
ተክለ ሃይማኖት (2) ኢልና ድሒና
ኣዝ…..
ተክለ ሃይማኖት ኣቡነ
ናይ ክሕደት ባዕበል ዋላ እንተበጽሃና
ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኣማላዲ ኣለና
ጻድቅ ኣቦና እዩ ደጋፊና
ተክለ ሃይማኖት (2) ኢልና ዲሒና
ኣዝ…..
ተክለ ሃይማኖት ኣቡነ
ካብ ማህጸን ኣዴካ ኢካ ተመሪጽካ
ምስክር ክትከውን ንፈጣሪ ኣምላክ
ተክለ ሃይማኖት (2) ኢልና ዲሒና