Tehatimki | ተሓቲምኪ
Added by Admin
ተሓቲምኪ ውሽጢ ልብና
ናይ ድኻምና ምርኩስ ተስፋና
ከቅርበልኪ ሓድሽ ዝማሪ
እመ ብርሃን ጌና’ዩ ፍቅረይ
እቲ ርህሩህ ልብኪ ናይ ድኻ መዕረፊ
ነብሳት ውቅያኖሳት ማዕበል መሳገሪ
ወዲስናዮ ስምኪ ብውዳሴ ሰናይ
ወሊድክልና ድንግል ናይ ሕይወትና ጸሓይ
ጽዮን ኢልና ተማህጺና ለና
ሞት ኣይንርእይን ከለኪ ኣዴና(2)
ቀስተ ደመናና ኢኺ ምልክትና
ብሕይወት ኣለና ብኣኺ ኣዴና
ወድኪ ኣሚንና እንታይ ከይጎድለና
ዘጨንቀና ኩሉ ይእዘዘልና
………ኣዝ……..
ወቂቡ እቲ ጎቦ ብብሩሕ ደመና
ወልደኣብ ክርስቶስ ምስተወለደልና
ይባቤ ምስጋና ኣፍና መሊኡልና
መቅደስ ኣይረኣናን ብጀካ ማርያምና
……….ኣዝ……..
ብንጽሕንኪ ንምቁሕ ሴርክዮ
ንኣዳም ካብ ሲኦል ካብ ሞት ኣውጺእክዩ
ጠዒምዎ ኣፈይ ናይ ማሕጸንኪ ፍሬ
ክዝምረልኪ’ዩ ብያሬድ ዝማሬ
……….ኣዝ………
