መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Teamir Weminikir | ተኣምር ወምንክር

Added by Admin

ተኣምር ወመንክር ደብረ መድሃኒነ
በቃና እኸ/2/ ዘገሊላ ከብካበ ኮነ ማየ ረስየ ወይነ

ንምንታይ ትሃድሚ ባሕሪ ዮርዳኖስ
ናባኪ ምስመጸ ናይ ክብሪ ንጉስ ማየ ረሰየ ወይነ
(ኣዝ)
በሓንቲ ዕጻ በለስ ዝወጸ ኣዳም
ተደምሱስልና እዩ ናይ ባርነት ሽም ማየ ረሰየ ወይነ
(ኣዝ)
ስጋ ዘለበሰ ወዲ ማርያም
ነቲ ማይ ቀየሮ ብወይኒ ጥዑም ማየ ረሰየ ወይነ
(ኣዝ)