መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Sobe Semayne | ሶበ ሰማይነ

Added by Admin

ሶበ ሰማኢነ ዜናከ መጻኢነ ሃቤከ /4/ መጻኢነ /4/
ኣንቲ ቤተልሄም ከተማ ናይ ዳዊት
ዜናኺ ተስምዐ ቃል ናይ ብስራት
ወዲ ተዋሂቡና ተወሊዱ ህጻን
ብእኡ ረሓቐ’ቲ ዘጨንቕ ዘመን
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ሰብን መላእኽትን ብሓባር ዘመሩ
ኽብሪ ንእግዚኣብሄር ኣብ ዓለም መሰኽሩ
ምስጋና ኣብ ሰማይ ንእግዚኣብሄር ኾይኑ
ሰላም ንደቂ ሰብ ኣብ ዓለም ሰሲኑ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ኣደ ምስ ውላዳ ተራእዮም ደሚቖም
መላእኽቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚኦም ወዲቖም
ኣብ ደምበ ናይ ኸብቲ ኣምላኽ ተወሊዱ
ናይ ነገሰታት ንጉስ ንሞት ኣወጊዱ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ሰላም ሓለቓ መካር ሓያል ኢኻ
እቲ መግዛእቲ ኣብቂዑ ኦ ጎይታ ብስምካ
ንሰላም ዝዕድል ኣልፋ ወኦሜጋ
ናይ እስራኤል ቅዱስ ተገሊጹ ብስጋ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -