Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Slus Kdus Temesgenu | ስሉስ ቅዱስ ተመስገኑ

Added by Admin

ስሉስ ቅዱስ ተምስገኑ
ምህረትኩም ኣብ ዓለም ገኒኑ
ስሉስ ቅዱስ ስምኩም ይወደስ
ሰላምኩም ኣብ ማህበርና ይፍሰስ

ብመልክዕኩም ብኣምሳልኩም
ሰብ ፈጠርኩም ዘክብረኩም
ኣንቢርኩም ኣብ ገነት
ንክገዝእ ፍጥረታት
ምስ ጠሓሰ ትእዛዛትኩም
ኣስሒትዎ እቲ ርጉም
ለዋህ ልብኩም ኣይጨከነን
ኣድሒንኩሞ ድሕሪ ዘመን
……..ኣዝ………
ንበደሉ ከይጸብጸብኩም
ንሕማሙ ከይፈንፈንኩም
ኣርሓኩሞ ንመንበሪኩም
መላእክቲ ንክዓጥኑልኩም
ኢሳይያስ ርእዩ ኣመስገነ
ካብ ሕማሙ ምስ ደሓነ
ሃብቲ ናይ ነቢይ ተመልሰሉ
ህዝቢ ካብ ሓጢያት ንክህሉ
……..ኣዝ……
ተገሊጽኩም ሩባ ዮርዳኖስ
ተንኮል ናይ ሰይጣን ንክፈርስ
ናይ ዕዳ ደብዳቤ ንክድምስስ