Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Shimki Muz Iyu | ሽምኪ ምኡዝ እዩ

Added by Admin

ሽምኪ ምኡዝ እዩ ኪዳነ ምሕረት (2)
ንጽህት ኣዴና ሰኣሊተ ምሕረት
ንበላዒ ሰብ ዘእተኪ ገነት
እቲ ዓመጽ ልበይ መዓስ ይድቅስ
ብሓሳብ ብዝሙት ብስርቆት ይሕንብስ
ኣደ ኣምላኽ ተስፋ ኣዳም ………..
ዕረቕና ኢኺ ምስ መድሃኒ ኣለም…. (2)
ኣዝ………
ሰይጣን ተሃቀን ክስሕበኒ ንዓይ
ካብ ክፉእ ሰውርኒ ምልእተ ጸሃይ
ከም ኣቦታተይ ክጽውዕ ንዓኺ….
መንኣለኒ እሞ ድንግል ብዸካኺ….. (2)
ኣዝ………
ብሽምኪ ተማሕጺኖም ነብሳት ተሒሮም
ኣብ ቁዱሳን ዓለም ዕረፍቲ ረኺቦም
መዕረፊት ቦታ ወደብና ኢኺ….
ብሓንሳብ ንነብር እናፈተናኪ…… (2)
ኣዝ………

እመቤቴ