Semay Selfi Koynu (kdus Mikael ) | ሰማይ ሰልፊ ኮይኑ * (ቅዱስ ሚካኤል )
Added by Admin
ሰማይ ሰልፊ ኮይኑ ናይ መላእክት ስፍራ
ሚካኤል ዓጢቁ ንሰይጣን ከባርር
ንገበል ደርበዮ ንጎይታ ዘጉሃየ
ነቲ ብትዕቢቱ ኣምላክ ኢየ ዝበለ
ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ሃንደበት ተንሲኡ
ንስልጣን ጎይትኡ ብፍጹም ረሲዑ
ሚካኤል ነዲዱ ንሰይፉ ኣውጸአ
ስም ኣምላክ ዘለዎ ብኩናት ወግኦ
……..ኣዝ………
ዓቢ ድምጺ ኮይኑ ናይ ውግእ ጫውጫውታ
ሚካኤል ክቃለስ ንክብሪ ናይ ጎይታ
ሳጥናኤል ወዲቑ ሰላም ነጊሱልና
ናይ ሚካኤል ኣምላክ ይኹኖ ምስጋና
……..ኣዝ……..
እንሆ ተሸይሙ ሊቀ መላእክት
ንህዝቡ ኣውጺኡ ካብ ፈርኦን ባርነት
ንድምጹ ስምዕዎ እምቢ ኣይትበልዎ
በደልኩም ክሓድግ ርድኣና በልዎ
……..ኣዝ………
ናይ ኣምላኩ ኣስማት ኣብ ርእሱ ሰቂሉ
ንሰባት ዘማልድ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይሙ
ኣብ ሲኦል ኣሲሩ ነቲ ትዕቢተኛ
እንሆ ከቢሩ ይልምን ስሌና
…….ኣዝ………
