Selamka Baka’yu Natey Goyta | ሰላምካ ብኣካ’ዩ ናተይ ጎይታ
Added by Admin
ሰላመይ ብኣካ’ዩ ናተይ ጎይታ
ዕረፍተይ ብኣካ’ዩ ናተይ ጎይታ
ኣይክውከልን’የ ምስጋና
ውዳሴ ነቲ ውዕለትካ
ጸልማተይ ብኣካ በሪሁለይ
ሓጥያተይ ውን ኩሉ ደምሲስካለይ
ንዘይርኢ ዓይነይ ገሊጽካለይ
ተመስገን ኣምላከይ ክበረለይ
………ኣዝ……..
ሕጂ’የ ብግልጺ ዝረኣኩ
ምሉእ ሰብ ኮይነ ዘይጎደልኩ
ናይ መህረምየይ እምኒ ተሪፉለይ
ጻላእተይ ካብ ቅድመይ ሓፊሩለይ
……….ኣዝ……..
ኣብ ቅድሜካ ቆይመ ብጸጋኻ
ገዚእካኒ ኢኻ ብጸጋኻ
ንውዕለትካ እሞ እንታይ ክብል ኢየ
ተመስገን ኢለ ክሓልፎ ኢየ
………ኣዝ……..
ድዉያት ኣእዳው ትክ ኣቢልካለይ
ዝተረረ ልበይ ቀዲስካለይ
ድካመይ’ውን ኩሉ ተወጊዱ
ቲ ክፉእ መንፈስ ተሰዲዱ
………ኣዝ…….
