Selam Leki Maryam Weletehana Weiyakem | ሰላም ለኪ ማርያም ወለተሃና ወኢያቄም
Added by Admin
ሰላም ለኪ ማርያም ወልተሃና ወኢያቄም
መሰረቱ ለኣለም ወጥንተ መድሃኒት ዘእምቅድም
ትውልዲ ብምልኡ ንዓኺ የመስግኑ
ንውሉድ ወለዶ ስምኺ ይዝኽሩ
ናይ ኣዳም ተስፍኡ ምኽንያት ድሕነቱ
ትምኽሕቲ ኩልና ማርያም ርህርህቲ ስላም ለኪ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
ንዓና ንምድሓን ንዓኺ እንተዘይፈጥር
ኻባኺ ብምውላድ ደቁ እንተዘየድሕን
ከም በዓል ጎመራን ከም በዓል ሶዶምን
ምጠፍእና ኔርና ካብ’ዚኣ ዓለም ሰላም ለኪ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ናይ ጥፍኣት ማይ ኣብ ዝዘነበ ዕለት
ኖህ ዝሰደዳ ናይ ሰላም ርግቢት
መወገዲ መዓት ናይ ሰላም ምልኽት
ድንግል ንስኺ ኢኺ ዕጸ ሓመልማላዊት ሰላም ለኪ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - - -
