Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Selam Leki Imne Tsyon | ሰላም ለኪ እምነ ጽዮን

Added by Admin

ሰላም ለኪ እምነ ጽዮን
ማርያም ውድስት ናይ ህይወት ብርሃን
ሰላም ለኪ እምነ ጽዮን
ሰላም ክብለኪ ተንበርኪኺ
ብብጽዕናኺ ተማሪኸ
መርከብ ኖህ ጽርይቲ ኢኺ
ይብል ኣለኹ ሰላም ለኪ
- - - - - - ኣዝ - - - - -
ድንግል ዳስ ናይ ኣብርሃም
ሰላም /2/ ሃረገ ወይን
ኣስካላ ያቆብ ዝረኣያ
ናይ ሰለሙን ክብሪ ኣኽሊል’ያ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ጽላተ ሙሴ ናይ ኦርት
ናይ ኣሮን በትር መድሃኒት
ለዋህ ርግቢት ናይ ኢያቄም
ናይ ነብያት ተስፋ ናይ ኣዳም
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
እሳተ መለኮት ዝሓዝኺ
ንብሩህ ኣምላኽ ዝወሰንኺ
ቤተ መቕደስ ናይ ልዑል
ሰላም ለኪ እምነ ድንግል
- - - - - - ኣዝ - - - - -