Selam Habena Amlakna | ሰላም ሃበና ኣምላክና
Added by Admin
ሰላም ሃበና ኣምላክና ሰላም ሃበና
ኣምላኽ ብይቕሬታ ብለውሃትኻ
ንምሕጸን ኣለና ብድንግል ኣዴኻ
ብዙሕ ከነጉድል ክንብድል ንዓኻ
መሓሪ ኢካ’ሞ ሃበና ሰላምኻ
ሰላምኻ ሃበና ኦ ኣምላኽና ትምኽሕትና ሰላምካ ሃበና
ኣማኑኤል ኣምላኽ ንዓኻ ምስ ነቐይም
ምሕረትካ ካባና ፍጹም ኣይፍለይን
ብፈቓድካ ካባና ዝተወለድኻ
ይቕሬታ ሃበና ብማርያም ልመና
ሰላም ሃበና ኣምላኽና ሰላም ሃበና
ተዘይሓለኻና ተዘይሃብኻ ሰላም
ፍጹም ብጥበባ ኣይትድሕንን’ያ ዓለም
ሰላምካ ዓድላ ሃገርና ኤርትራ
ኣእዳዋ ዘርጊሓ ክትብል ሃሌ ሉያ
ሰላምካ ሃበና ኦ ኣምላኽና ትምኽሕትና ሰላምካ ሃበና
