መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Sebayin Sebeyitin | ሰብኣይን ሰበይትን

Added by Admin

ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ከም ዝፈጠሮም
ሎሚ ንናብርኦም ቅዱስ ሃዳር ሃቦም
ድሕር ሕጅ ግና ሓደ ኣኻል ኢዮም
ንዝመጽእ ዘመን ይጸንዕ’ዩ ፍቕሮም
ደስ ይበለና በዚ ቅዱስ መርዓ /2/
ሓደ ኣኻል ኾይኖም ኣምላኽ ፈቕደሎም
ብምንም ምኽንያት ማንም ኣይፈልዩን
ጎይታ ብወንጌሉ ከምዝነገረና
ፍጹም ጽኑዕ እዩ ናይ ተኽሊል መርዓ
- - - - ኣዝ - - - - - -
ንኣብርሃምን ሳራ ከምዝሃቦ ሓዳር
ንዓኻትኹም ይሃብ ናይ ዘለኣለም ፍቕሪ
ንስኺ ከምሳራ ንሱ ከም ኣብርሃም
ንበሩ ብፍቕሪ ክሳብ ዘለኣለም
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ነዚ ዘብጻሓኹም ንርህሩህ ኣምላኽና
ምስግና ይብጸሓዮ ሎሚ ካብ ኹላትና /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - -