Sebat Fereduni | ሰባት ፈረዱኒ
Added by Admin
ሰባት ፈረዱኒ ንስኻ ኣድሒንካኒ
ኣምላከይ ተመስገነለይ
ጎይታይ ናተይ ተመስገነለይ
ካልእ ቃል ዘይብለይ
ክሓልፍ ኣይፈተዉን ነገር ክስወሩ
ሰባት ፈተኑለይ በደልይ ክነግሩ
ሰቲርካኒ በደለይ ካባይ
ሰቲርካኒ ጎይታይ ብፍቕሪ ኣኪብካ
ብሰንኪ በደለይ ካባይ ከይረሓቅካ
ልበይ ተሰቢሩ ብጽኑዕ ፍቅርካ
ወትሩ የምጽኣኒ ጎቲቱ ናብ ቤትካ
ርስተይ ኣዊጆም ፍርዲ እንተወሰከ
ተኣምርኻ ኣድሒኑኒ እንከይ ተሳቀኹ
ስለዘድሓንካኒ ክፉኣት ተከዛ
እዚ ኣይኮነን ኢሎም ናይ ሓጢኣት ደሞዙ
ልዕሌካ ጎይታ መን ከድሕን ይክእል
ንሚዛንካ ፍቅርካ መንዩከ ዘዘምብል
ምድሓንካ ድንቂ’ ዩ ንዓይ ንውሉድካ
ምሕረትካ ይደፍእ ወትሩ ኣብ ሚዛንካ
ከም ናይ ሰብ ኣይኮነን ፍሉይ ፍርድካ
ስለ ሓርነተይ ብምሕረት ፈሪድካ
ብፍቅሪ ብምሕረት መንገደይ ጸሪግካ
ንስለ ድሕነተይ ድንቂ ፈሪድካ
