Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Seat Tishate | ሰዓት ትሽዓተ

Added by Admin

ስዓት ትሽዓተ ጎይታና ኣብ መስቀል ዊዒልካ ጎይታና
ንደቂሰብ ክትብል ጎይታና ነፍስካ ሰዊእካ ጎይታና
ከዋኽብቲ ሰማይ ናብ ምድሪ ወደቁ
ወርሒ ደም መሲላ ጸሓይ’ውን ጸልሚቱ
ብርሃናት ጸልመቱ ጠፊኡ ተፈላለዩ
ሳጋኻ ኣብ መስቀል ዓሪቁ ምስረኣዩ
(ኣዝ)
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተስቅለ
ዓው ኢሉ ጨደረ ጸሚኣ እንዳበለ
ምቁር ጸባ መዓር ዝምግብ ንኹሉ
ሓሞት ኣምጽኡሉ ይጥዓም እንዳበሉ
(ኣዝ)
ጎኑ ምስ ተወግኣ ማይ ምስ ደም ፈሰሰ
ኣብ ምድሪ ዊሒዚ ንዓለም ቀደሰ
ኣዋልድ ኢየሩሳልሌም ዋይዋይ ምስ በላሉ
ብኸያ ኣልቅሳ ንርእስኽን ኢሉ
(ኣዝ)
ቅድስት ድንግል ማርያም ብጣዕሚ ነብዓ
ዮውሃንስ ተሓርየ ንኸጸናንዓ
መላእክቲ ተራእዩ ኣጋንንት ሃጸጹ
ናይ ኣይሁድ ሰራዊት ኩሎም ተናወጹ
(ኣዝ