Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Seali Lene Kidisit Nibleki | ሰኣሊ ለነ ቅድስት ንብለኪ

Added by Admin

ሰኣሊ ለነ ቅድስት - - - - - - ንብለኺ ኣለና /2/
ቅዱስ ኤፍሬም ከም ዝመሃረና /2/
ድንግል ማርያም ምሕረት ለምንልና /2/
ተስፋ ናይ ኩልና - - - ተስፋ ናይ ኣዳም
ብኣኽንኣምን - - - - ክሳብ ዘለኣለም
ብጸሎትኺ ጸርዩ ኣበሳና
ስርየት ጎይታ ሎሚ ንኹላትና /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - -
ስምኪ ዝኸበረ - - - - - - ኣብ ስላሴ መንበር
ቃል ኪዳን ኣትዩልኪ - - -ደቅኺ ክምሕር
ብኪዳንኪ ኩሎም ይውከሉ
ወግሐ ጸብሐ ድንግል ማርያም ይብሉ
- - - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ዓለም ክትኣስረና - - - - ብጥፍኣት ሰንሰለት
ነፍስና ክትደክም - - - - ኽትወድቕ ብሓጢያት
ጸልማት ኾይኑ መእተዊ ኽትስእን
ድንግል ማርያም ትኹነና ብርሃን /2/
- - - - - ኣዝ - - - - - - -
ምኽኣል ስኢንናዮ ሓዘን ናይ ልብና
ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ብፍርሓት ወዲቕና
ንኽንመጽእ ክንቐርብ ናባኺ
ድንግል ማርያም ሃቢና ድሃይኺ
- - -- - - - - ኣዝ - -- - - -