መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Sairi Kotsli Seti | ሳዕሪ ቆጽሊ ሰቲ

Added by Admin

ሳዕሪ ቆጽሊ ሰቲ ሮማዲ ዕምባባ
በቲ መዓልቲ ወርሒ ለምለም ዝነበረ
ብእልልታ ዘሚሮም ሓጎስ ተመሊኦም
ጎይታ ምውላዱ ብስራት ሰሚዖም
እልል በሊ ቤተልሄም /2/
ሃሌ ሃሌ ሉያ ናይ ፍቕሪ ናይ ሰላም ኢኺ’ሞ ዕዳጋ /2/
እቲ ትሑት ጓሳ እቲ ትሑት ኣቦ
ብርሃን ተኸዲኑ ብፍርቂ ለይቲ
ጻዊዕት ገበርሉ ካብ ሰማይ ሰራዊት
ንኽርኢ መጸ ናይ ጎይትኡ ልደት
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ጓሳ ምኻን ንኡስ ናይ ምውራድ ግብሪ
ኢሉ ሰብ ብግምት ይዛረብ ነበረ
ናይ ብዙሕ ሰብ ርእሲ ምኻን’ዩ ጓሳ
ክርስቶስ ክውለድ ንሕና ተረድኣና
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -