Saalilene Kidisit | ሳኣሊለነ ቅድስት
Added by Admin
ሳኣሊለነ ቅድስት ንብለኪ ኣለና
ቅዱስ ኤፍሬም ከም ዝመሃረና…………
ድንግል ማርያም ምሕረት ለምንልና….. (2)
ተስፋ ናይ ኩላትና ተስፋ ናይ ኣዳም
ብኣኺ ንኣምን ክሳብ ዘልኣለም
ብጾሎትኪ ጸርዩ ኣበሳና….
ስሬት ኮኑ ሎሚ ንኩሉና….. (2)
ኣዝ………
ስምኪ ዝኸበረ ኣብ ስላሴ መንበር
ቃልኪዳን ኣቲዩልኪ ደቅኺ ክምሕር
ብኪዳንኪ ኩሎም ይውከሉ…………….
ወግሐ ጸብሐ ድንግል ማርያም ይብሉ… (2)
ኣዝ………
ዓለም ክትኣስረና ብጥፍኣት ሰንሰለት
ነብስና ክትደክም ክትጽዋዕ ብሓጢያት
ጸልማት ኮይኑ መኣተዊ ክንስእን…….
ድንግል ማርያም ትኾንልና ብርሃን….. (2)
ኣዝ………
ምኽኣል ሲኢናዮ ሓዘን ናይ ልብና
ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ብፍርሃት ወዲቕና
ንኽንመጽእ ክንቀርብ ናባኺ……….
ድንግል ማርያም ሃብና ድሃይኪ…… (2)
ኣዝ………
