መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Rihruh Melak | ርህሩህ መልኣክ

Added by Admin

ርህሩህ መልኣክ ኢካ`ሞ ትርህርህ ንኩሉ
ገብርኤል መልኣክ ርድኣና ካብ ክፋእ መከራ
………………(ኣዝ)
እቶም ዝሶጉና ገብርኤል ምስተጻቡኡና
ዋልታ ይኮነና >> እቲሓለቃና
እሳተ ነበልባል >> ሓያል መልኣክ ኢኻ
ስምካ ንዝጸዋዕና >> ፍጡነ ረድኤት ኢኻ
………………(ኣዝ)

ኣብ ራማ ትነብር ገብርኤል ለቀ መልኣክት
መልኣክ >> ፍጡና ረድኤት
ንቂርቆስን ኣዲኡን >> ንስኻ ኣድሒንካዮም
ካብ ኣምላክ ተላኢካ >>ካብ ሞት ኣዉጺካዮም
………………(ኣዝ)

ንበዓል ሚሳኤል ገብርኤል ንእናንያ
ረድኤት ኮንካዮም >> ንበዓል ኣዛርያ
መድሃኒት >> ብእምነት ዝለመኑካ
ወትሩ ትረድኣና >> ብኣማላጅነትካ