Rigibye | ርግብየ
Added by Admin
ርግብየ /2/ ማርያም እሙ ለእግዝየ
በቀለመ ወርቅ ጸሐፊ ስምየ
ብኣምደ ብርሃን ጸሐፊ ስምየ
በቀለመ ወርቅ ጻፍ ስምየ
ዝተመረጸኺ ቤተይ መልክዕ ስልማተይ
ናይ ክብረይ ኣኽሊል ንዒ እመ ብርሃን ርግብየ
ናባኺ የእዊ ኣብ እዋን ጸገመይ
ንኽተትርፍለይ ሓዘን ናይ ልበይ ርግብየ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ዘይትፈርስ መቕደስ ንጽህቲ ኣደራሽ
ናይ መለኮት ሓዊ ብማህጸንኺ ዝሓዝኺ ርግብየ
ምኽንያት ድሕነተይ ናይ ህይወተይ ፋና
ብጻሕት ሽግረይ ርህርህቲ ሕልና ርግብየ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ንስምኺ ክጽውዕ ብንግሆን ምሽትን
ቀልጥፍኺ ምጽእኒ ንኸይብል ኸርተት ርግብየ
ናይ ነብያት ትንቢት ናይ ሰማእታት ኣኽሊል
ናይ ወርቂ ኣስኻላ ናይ ጸሎት መዕረጊት ርግብየ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ምርኹስ መደገፊት ናይ ሃይማኖት በትሪ
ናይ ህይወት ማህደር ኮንኪ ዝተረኸብኪ ርግብየ
ጸልሚቱ መንገደይ ወዲቐ ከይተርፍ
ደጊፍኺ ኣስግርኒ ነቲ ባሕሪ ሓጢያት ርግብየ
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
