መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Rekik Iyu Mistiru | ረቂቅ ኢዩ ምስጢሩ

Added by Admin

ረቂቅ’ዩ ሚስጢሩ ብሰባት ኣእምሮ
ኣምላክ ኣብ መስቀል ንዓና ዝገበሮ
ናይ ሰላም ምልክት ናይ ፍቅሪ መሰረት
ናይ ክርስቶስ መስቀል ዘደንቅ’ዩ ብኡነት(2)
ኣዝ
ናይ ናጽነት ፋና ናይ ኣዳም ናይ ሄዋን
ብህይወት ዝግለጽ ናይ ደቂ ሰብ ብርሃን
ኣዝ
ናይ ህያውያን ምርኩስ ናይ ድሕነት ምልክት
መስቀል ሓይልና’ዩ ዘውህበና ድህነት(2)
ኣዝ
ጎይታ ዝሃበና ንእንምክሓላ
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ናይ ህይወት መኣዛ(2)
ኣዝ
መህረሚ ዲያብሎስ መህረሚ ሳጥናኤል
ሓቀኛ ዋሕስና ናይ ክርስቶስ መስቀልና(2)
ኣዝ