Qalat Hitsan - ቃላት ህጻን | ዘማሪት ሜሪ
Added by Mezmur Tewahdo Admin
ከይልምን ከም ሰበይ ናብኺ ኣንቃዕሪረ ከምቲ ትደልይዮ
ከይውሕደኪ እንፈርሕ ቃላት ህጻን ኮይኑ ብስለት ዘይቃነዮ
ድንግል ማርያም ኣደይ ኩንኒ ጽላለይ ነፍሰይ ተዕርፈላ
ዜማ ናይ ምንባረይ ምኽንያት ድሕነትና ርግኣት ዝረኽበላ።
ገና'የ ልምልምቲ ሻኻ ተኽሊ ለሰ
ሕዝእኒ ንፍቅሪ ክፍኣት ከይነፈሰ
ጽላል እንከሎኺ ኣይሰግርን'የ ማዕዶ
ጽላል እኳ ዚበሃል ገረብ ዝእንግዶ።
እንዳእቲ ህድኣተይ ከይብትኖ መዓት
ሰናይ ከይርሕቕ ክብል ናይ ቤተይ ቅርዓት
ከየሕለምልም ልበይ ጸላም ከይወርሶ
እኔኹ ኣብ ቅድሜኺ ንብዓተይ ኣፍስሶ።
እንታይ ከይከስበሉ ንዓለም ጽላላ
ስለይ ዘይትሽገር ጨካን እንዳኣላ
ዝሃድመላ ጸግዐይ ገዳም ናይ ህይወተይ
በረኸት ቀራንዮ ጽዮን ማርያም ኣደይ።
ምስማዕሲ እሰምዕየ ፍቅርኺ ክዝንቶ
ሕጻን እንዶሞ ኾይነ ክንደይ ከይግምቶ
ንገርኒ ኩሉ ነፍሰይ እትደልዮ
ነዚ ባዶ ልበይ ጸጋኺ ምልእዮ።
