መዝሙር ተዋህዶመዝሙር ተዋህዶ
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

O Mikael | ኦ ሚካኤል

Added by Admin

ኦ ሚካኤል (2) ሊቀ መልኣክት
ኣብ ሓጢኣት ኣቲና ከይንመዉት
ተራድኣና ኣጽንዓና ብእምነት
………………(ኣዝ)
ነጸብራቃዊ…………….ሚካኤል
ኣይኑ ዘርግብ…………ሚካኤል
ሃመልማላዊ…………...ሚካኤል
ልብሱ ዘመብረቕ……..ሚካኤል
ሃበና ድሕነት ምሕረት
ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መልኣክት …(2)
………………(ኣዝ)
መጋቤ ብሉይ…….ሚካኤል
ተራዳኢኻ………..ሚካኤል
ንዝቀረበካ………....ሚካኤል
ተድሕኖኢኻ………ሚካኤል
ከም ዘድሓንካዮም ካብ ኢድ ፎርኦን
ንዓና ኣድሕነና ከይንኩነን ….(2)
………………(ኣዝ)

ንሕና ደቅኻ……….ሚካኤል
ሽምካ ንኣምን…….ሚካኤል
ንቃል ኪዳንካ……...ሚካኤል
ጌርና ጸወን…………ሚካኤል
ፍጡነ ረድኤት ሃያል መልኣክ
ተራድኣናከይንጸንት ……...(2)
………………(ኣዝ)