Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

O Igziabher Afetweka | ኦ እግዚኣብሔር ኣፈትወካ

Added by Admin

ኦ እግዚኣብሄር እፈትወካ ኢየ
ብኽቡር ስምኻ እቃጸል ኢየ
ሓያል ፍቕርኻ ይምስጠኒ
ኸማኻ ርህሩህ የለን ፈጣሪ /2/
ዓለም ኩሉ ንዓይ ጸሊኡ
ኸርተት ክብል በብግዚኡ
ንሰኻ ካባይ ኣይተፈለኻን
ኦ እግዚኣብሄር መሰታ የብልካን /2/
- - - - - - ኣዝ - - - - - - -
ጎልያድ ብጉልበቱ ይምኽሓለይ
ሳኦል’ውን ኽሳድድ ንዓይ
ኣብ ቅድመይ ደው ኢልኻ ኣነ ኸይማረኽ
እግዚኣብሄር ስምካ ይባረኽ /2/
- - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ከም ዝሞትኩ ሰብ ተቐብረ
ኩሉ ጨኽንለይ ሞሳይ ዝነበረ
ኣውጺኡኒ ካብ መቓብር ጎቲቱ
ኣጆኻ ኢሉ ኣምላኽ ብምሕረቱ
- - -- - - - - ኣዝ - - - - - -
ንእግዚኣብሄር ሃቦ ኹሉ ሓሳባትኻ
ንዘለኣለም’ዩ ዘብርሃልኻ
ንሱ ኢዩ ተኣማኒ ኣቦ
ሰላም በረኸት ንኹሉ ዝህቦ /2/
- - - - - - ኣዝ - - - -