O Goyta Reay Nab Meskin Wedkha | ኦ ጎይታ ረኣይ ናብ መስኪን ወድኻ
Added by Admin
ኦ ጎይታ ረኣይ ናብ መስኪን ወድኻ
ደኪመ ከይተርፍ ከይወድቅ ካብ ቤትካ
ዓለም ብጥበብ ንከይተወድቀኒ
ሓይሊ መመኪሒ ንስካ ኩነኒ
ዴማስ ንዓለም ዘይሩ ምስ ተመሰጠ
ብከንቱ ፍትወት መንገዲ ሳሓተ
ረሓቀ ኮብለለ ካብ ጎይታ ኣምላኹ
ናብ ቀደም ሓጥያቱ ተመሊሱ ኣትዩ(2)
(ኣዝ)
ርህሩህ’ዩ ጎይታና ዘይስልቺ ዘይጭክን
ንሓጥያት እንበር ንሰብ ኣይጸልእን
እንተጸዊዕናዮ ንሱ ስማዕ’ዩ
ይቅረ ንክብለና ቅዱስ ፍቃዱ እዩ(2)
(ኣዝ)
ብእምነት ተጋድሎ ኣክሊል ዝደፋእኩም
ንእሽቶ ምስ ዓበይቲ ገድልይ ዝፈጸምኩም
ብልጭልጭ መልክዓ ከይታለለኩም
ነዛ ከንቱ ዓለም ብሓቂ ሲዒርክኩም (2)
(ኣዝ)
ኣብ ሰማይ ትነብሩ መላእክቲ ኩላትኩም
ሽሙ ንምምስጋን ወትሩ ዝነቅሕኩም
ንዓና ድኩማት ጎይታ ክምሕረና
ብኣማካጁነትኩም ኣይትፈለዩና
(ኣዝ)
