O Amlak Medhanialem Goyta | ኦ ኣምላክ መድሃኒዓለም ጎይታ
Added by Admin
ኦ ኣምላክነ መድሃኒኣለም ጎይታ
ንኣና ክትብል ኣብ እጸ ተሰቂካ /2/
ሂዎን እንተስሓተት ብክፉእ ሰይጣን /2/
መጺኡ ተሰቂሉ ንዓለም ከድሕን /2/
(ኣዝ)
ቅዱሳን የእዳው ንኣዳም ዝሰርሑ ንዓይ ዝፈጠሩ
ቅዱሳን ኣእጋሩ ንገነት ዝዞሩ /2/
ኣብ እጸ መስቀል ተሸንኪሮም ዊዒሎም/2/
(ኣዝ)
ኣቤት ስቅለት ናትካ ኣቤት መከራካ /2/
መስቀል ኣሽኪሞም ከካላብቱካ /2/
ኣነ ክከላበት ኣምላከይ ከክንዳካ /2/
(ኣዝ)
ዋላ ሓንቲ ዘመድ ወገን ከምዘይብልካ /2/
ኣብ ጉዲ ኣሲሮም ኩሎም ክጸፍዑኻ /2/
(ኣዝ)
ሙውታን እንተ ኣተሳእካ ድውያን እንተሕወይካ/2/
ሰቀሉካ ኣትሁድ እንዳ ቀጥቀጡኻ /2/
(ኣዝ)
ከመይ ኪኢልካዮ ከመይ ተዓጊስካ/2/
አብይ ምስ ንእሽቶ ክሃርሙ ንዓኻ/2/
(ኣዝ)
ዓደ ቡኡ ከሎ ጸባ ምስ መዓር /2/
ማይ ጸሚኤ ኢሉ ወልድ እግዚኣብሔር /2/
(ኣዝ)
