Nzemir Even Ezer Ilna | ንዘምር ኤቨን ኤዘር ኢልና
Added by Admin
ንዘምር ኤቨን ኤዘር ኢልና(2) ንጸውዕ ጎይታና
ዘምሩ ኤቨን ኤዘር ኢልኩም(2) ዘክሩ ጎይታኩም
ጠሚትካኒ ኢኻ’ሞ ብውሽጣዊ ልበይ
መዚንካኒ ኢኻ’ሞ ብኩሉ ተግባረይ
ሓጥእን በደለኛን ኮይነ ተረኪበ
ብሕሱም ናብራ ዓለም ፍጹም ዝረብረበ(2) ኮይነ
ሎሚ ግና ጎይታይ ረዲእካኒ
ካብ ዓዘቅቲ ሓጥያት ኣውጺእካኒ
ጸዊዕካኒ ሰሚዐ ጻውዒትካ
መጺአ ኣለኹ ክርኢ ምድሓንካ
ረዲእካኒ ብሓቂ ረዲእካኒ (2)
…………..ኣዝ……..
መዓልቲ ንመዓልቲ ክትክ ኣይድንጉን
ዓመታተይ ይውስኽ ይሓጽር ዕድመይ’ውን
ትሕዝቶ ናይዛ ዓለም እንዳሓጸረ ይጎድል
ኣነ ግን ኣይነቃሕኩን ተገዚኤ ይነብር (2) ነይረ
…………ኣዝ………
ብዕብዳን ስኽራን ጓይላ ኣሕሊፈ ዘመነይ
ባህታ ልበይ ስጋዊ ትምኒተይ
ኣብ መንበር መላገጽቲ ደፊረ ዝቅመጥ
ብምክሪ ናይ ረሲኣን ሓንጎለይ ዝልወጥ (2) ነይረ
………ኣዝ……..
