Tewahdo HymnsTewahdo Hymns
Ge'ez
Pagume 4, 2018 — Wednesday, September 9, 2026
← All hymns

Nu Reayuley | ንዑ ረኣዩለይ

Added by Admin

ንዑ ረኣዩለይ ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት
ስርሑ ክነግር የብለይን ቃላት
እቲ ሰላም ፍቕሩ ኣብ ልበይ መሊኡ
ብምንታይ ክዛረበ ቃላት ስኢነሉ /2/
ሰማይ ናብ ደበና መልክዑ እንተለዊጡ
ናይ ጥፍኣት ኣጋንንቲ ናባይ እንተመጹ
ናዓይ ሓላውየይ ሓይሉ ኣይስወርን
እግዚኣብሄር ጓሳይ’ዩ ካባይ ኣይርሕቕን /2/
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ፍርሒ ኻባይ ረሓቕ ጸልማት’ውን ተኣለይ
ብኣምላኽይ ትምኽሒት እዛወር ከም ልበይ
ናይ ሞት ሓይልታት’ውን ተስፋኹም ጸልሚቱ
እግዚኣብሄር ምሳይ’ዩ ከድሕነን’ዩ
- - - - - - - - ኣዝ - - - - - -
ቅዱሳን ኩላቶም ንዓይ ጠጠው ኢሎም
ምስኣቶም ብሕብረት ክነብር ደልዮም
ዘውትር ኣብ መዓልቲ ድንግል ትመጽእ’ያ
ብብርሃን የእዳዋ ክትባርኸኒ እያ
- - - - - - - ኣዝ - - - - -